Posts

ተስፋ ምጽኣቱ

Image
መእተዊ፥   ሓደ   ካብቲ   እምነ   ዅርናዕ   እምነት   ክርስትና   ዝዀነ ትምህርቲ፡   ትምህርቲ   እቲ   ዘይተርፍ   ምጽኣት   ጐይታናን   መድሓኒናን ኢየሱስ   ክርስቶስ   እዩ።   ዳግም   ምጽኣት   ተባሂሉ   ድማ   ይጽዋዕ። ዳግም   ዘብሎ፡   ብቁጽሪ   ኣመጻጽእኡ   መበል   ካልኣይ   ስለ   ዝዀነ   እዩ። እቲ   ቀዳማይ   ምጽኣት፡   ምእንታና   ምእንቲ   ደቂ   ሰብ፡   ምእንቲ ድሕነትና፡   ሰጋ   ለቢሱ   ሰብ   ብምዃን   ዝመጸሉ   ምምጻእ   ክኸውን   ከሎ፡ እቲ   ካልኣይ   ምጽኣት   ድማ   ንምድሓን   እቶም   ብእኡ   ዝኣመኑ   ዝግለጾ ምግላጽ   እዩ።   ቅዱስ   ሃዋርያ፡   ንዕላማ   እዚ   ክልተ   ምጽኣታት   ጽሙቕ ብዝበለ   ሓሳብ   ከምዚ   ኢሉ   ገሊጽዎ   ኣሎ።  “ ከምኡ   ኸኣ   እቲ ንሓጢኣት   ብዙሓት   ኬርሕቕ   ኢሉ   ሓንሳእ   እተሰውኤ   ክርስቶስ ንምድሓን   እቶም   ዚጽበይዎ   ኻልኣይ   ጊዜ   ብዘይ   ሓጢኣት   ኪግለጽ እዩ። ” ( እብ  9 ፡ 28) ።   እዚ   ክልተ   ምጽኣታት   ከምቲ   ብዕላማ፡   ብዓይነት ኣመጻጽኣውን   ዝተፈላለየ   እዩ።   እቲ   ንሓጢኣት   ብዙሓት   ንምርሓቕ ዝዕላማኡ   ቀዳማይ   ምጽኣት፡   ብሰላሕታ፡   ብዘይ   ብዙሕ   ተርእዩ፡   ኣብ ሓደ   ውሱን   ቦታ   ናይዛ   ምድሪ   ምንባሩ   ንርኢ።   እቲ   ካልኣይ   ምጽኣት ግና፡   ሓደ   እዃ   ክስሕቶ   ብዘይኽእል፡   ብዓቢ   ተርእዩ፡   ከምቲ   መብረቕ ምስ   ዝበርቐ፡   ካብ   ምብራቕ   ክሳብ   ምዕራብ   ዝርኤ፡   ምጽኣት ጐይታናን   መድሓኒናን   ኢየሱስ   ክርስቶስ   ድማ   ከምኡ   ክኸውን   እዩ። በቲ   ቀዳማይ   ምጽኣት